venerdì 26 agosto 2011

ብዓለምለኸዊ ኮምሽን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወጸ መጠንቀቕታ




አሉታ(ሓሶት)፡ መሬት ሱዳንን ግብጽን ረጊጽካ ናብ ዓዲ ፈረንጂ ምስጋር ብዙሕ ገንዘብ ይሕተት’ምበር ኣብ መወዳእታ ዘዋፅእ ብድሆ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኢዩ።

እውነታ(እቲ ሓቂ)፡ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ’ቲ  ዝወጠንዎ ዕላማ ዝበጽሑ፡ ካብ ሓደ ሸቃጥ ሰብ ናብ ሓደ ሸቃጥ ሰብ ከም ጤለበግዕ ይሽየጡ። እቲ ጉዕዞ ዝካየድ ብዘየተአማምና ክፉታት ሎሪ ኮይኑ፡ ምስ ዝስበራ ድማ ክትደፍእ ትግደድ ኣብ መንገዲ ማህሰይቲ ምስ ዘጋጥመካ ወይ ከአ ብስንኩፍና ካብታ መኪና ምስ ትወድቕ ዘልዕለካ የሎን ኣብቲ ጸምጸም በረኻ ድማ ኣደዳ ኣሞራ ኬንካ ትተርፍ። መብዛሕታኡ እቲ ጉዕዞ ዝፍጸም ብለይቲ ኮይኑ እኽለ ማይን’ውን ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። ኣብ’ዚ ሓደገኛ ጉዕዞ’ዚ ናይ ወሰን ሓለውቲ ምስ ዘጓንፍ ድማ ተኩስካ ክትቀትል በቶም ሸየጥቲ ሰብ ትግደድ። ከይሓሰብካዮ ድማ ቐታል ሰብ ኴንካ ብሰብን ብእግዚአብሄርን ትፍረድ።

አሉታ(ሓሶት)፡ ሓንትስ አብ እስራኤል ትብሃል ዓዲ ድአ ይበጻሕ’ምበር ካብኡ’ስ ሞት ከምዓለም ኢዩ።

እውነታ(እቲ ሓቂ)፡ መጀመርያ ኣብ ዶብ  እስራኤል ንምብጽሕ ዘሎ መከራ ተጸውዩ ኣይውዳእን ኢዩ። ካብኡ ብኽፋልንምጥቃስ፡ ወይ ብጥይት ተተኲሱካ ትቆስል ወይ ከአ ትመውት። ዕድለኛ ኴንካ ሂወትካ ዓቂብካ ኣብ እስራኤል ምስ እትአቱ ድማ ዝጽበየካ ነዊሕ ማእሰርትን ሽቅለት ኣልቦነትን ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

አሉታ(ሓሶት)፡ ናይ ግብጺ በደው ብዘይ ሽግር ካብ ዶብ ግብጺ ናብ እስራኤል ከእትዉ ፉሉይ ብልሓት ኣለዎም።

እውነታ(እቲ ሓቂ)፡ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ በደው ከምዘለዎ ምዝካር የድሊ። እዞም ጅሆታት እዚኦም ድማ ገንዘብ  ንቤተሰቦም ተወኪሶም ክሳብ ንጅሆ ተሓዝቲ ዝኽፍሉ ብሩሱን ሓጺንን ብኤልክትሪክ ኮረንትን ሰውነቶም የቃጽልዎም። እዚ ከይአክል ድማ ንሰዓታት ከም አኽላባት ደንበ ብሰንሰለት ኣሲሮም ንደቂ ኣንስትዮ ባህ ኣብ ዝብሎም እዋን ክጋሰሱ ይሓግዩ። ንጅሆ ተሓዝቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝተሳእኖም ስደተኛታት ከም እኒ ሽንፍላ፡ ልቢ፡ ላልሽ ዝአመሰሉ ናውቲ ሰውነቶም ብዘይ ሕክምናዊ ኣገባብ ተሚሂሩ ብአሻሓት ዶላራት ይሽይጥ።.

አሉታ(ሓሶት)፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ስደተኛ መሰሉ ብወግዒ ምስተረጋገጸ፡ ነዚ ብዝምልከትውን ናይ ምዝገባ ታሴራ ምስ ተህቦ ብሸየጥቲ ሰብ ክጭወ  ዘሎዕድል ባዶ ኮይኑ እኳ ድአ ብሰላም ሂወቱ ናብ ዝመርሓሉ ናብ ካልእ ሃገር ንክኸይድ ዘለዎ ዕድል ብሩህ ኢዩ።

እውነታ(እቲ ሓቂ)፡ ነዚ ጽውጽዋይ’ዚ ኣብ ጎኒ ገዲፍና፡ መብዛሕትኦም  እቶም ካብ ሱዳን ተጨውዮም ኣብ ግብጺ ከም ባሮት ተታሒዞም ዝርከቡ ደቂ ሃገር ካብ ዩኤንኤችሲር ታሴራ ዝተቐበሉ ኢዮም። ጨወይቲ ብሥራሕ ምስምስ ንጉሩሃት ስደተኛታት ብምትላል ካብ ብጾቶም ምስ ፈለይዎም ንዘተፈላለዩ ኣብቲ ሰንሰለት ተአሳሲሮም ንዝርከቡ ሸየጥቲ ሰብ ብኹቡር ዋጋ ይሸጥዎም።  እምበአርከስ ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ሰፈር ንነብሶምን ንነብሲ ብጾቶምን ምክልኻል ሓላፍነቶም ይኸውን።

አሉታ(ሓሶት)፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሽግር አሕዋቶምን አቶምን ንምቅላል ዘይገብርዎ ፈተነ የሎን። ወረ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ’ሞ ሽግር ዜጋታቱ ንምቅላል ፓስፖርት ይህብ ኢዩ፡ ብሕልፊ  ድማ መንቀሳቐስን ካብ ሃገረ ሱዳን መውጽእን ምስ ዝድለ

እውነታ(እቲ ሓቂ)፡ ርግጽ ኣብ ጎረባብቲ ሃገር ስራሕ ክትረክብ ዘሎ ዕድል ጸቢብ ኢዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣስሕኮ ዘይብሎም ደቂ ሃገር ንአሓቶምን አሕዋቶምን አሕሊፎም ምስ  ሸየጥቲ ሰብ ብምምስጣር ይሸጥዎም። ስለዚ ካብዚ ሓደጋ’ዚ ምጥንቃቕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛና ሓላፍነት ይኸውን። ኣብ ካርቱም ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ’ውን እንተኾነ እቲ ብ1994 ዝተሓገገ 2% ግብሪ ምስ እትኸፍል ፓስፖርት ብ900 ዲናር (300 ዶላር) ታሴራ ድማ ብ270 ዲናር(88 ዶላር) ከምዝሽይጥ ዝተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ።

ተወሳኺ ሓቅታት፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ናይ ዩኤንኤችሲር ቤት ጽሕፈት ካብ ጻዕቂ ስራሕ ዝተዕለ ናይ ስደተኛታት ትሕቲ ባይታ ኣረጋጊጹ ታሴራ ንምሃብ ነውሕ ጊዜ ኢዩ ዝወስደሉ። ብዙሓት ናይ ስደተኛታት መንነት ዘይረኸቡ ሰባት’ውን ናይ ምጭዋይ ሓደጋ የጋጥሞም ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ስደተኛታት ተጨውዮም ዝሰቓይሉ ሑብእ ኣብ ከሰላ  ምህላዉ ይንገር። ካብዚ ሓደጋ’ዚ ንምድሓን ምጥንቃቅ የድሊ።

-- 
~~~~-~~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~-~~~
International Commission on Eritrean Refugees (“ICER"). http://ICEritreanRefugees.org/ic 
ICER seeks to receive, follow up and handle complaints related to violations, proposes legislations that ensure basic human rights and monitors public authorities in relation to human rights violations. 
To post to this group, send email to eritrean-refugee-crisis@googlegroups.com

Nessun commento: